top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

ዞባ ደቡብ ትግራይ ምኽፋል ግብሪ ደረጃ  ‘ሐ’ ነጋዶን መካረይትን በጀት ዓመት 2009

ኣብ ውሽጢ  7 መዓልቲ ከምዘጠቓለለ ኣፍሊጡ

 ኣብ ሙሉእ ከባቢ ትግራይ ሓምለ 1 ብዕሊ ዝተበሰረ ፌስቲቫል ምኽፋል ግብርን ታክስን በጀት ዓመት 2009 መሰረት ብምግባር ዞባ ደቡብ ትግራይ ምኽፋል ግብሪ ደረጃ ‘ሐ’ ነጋዶን መካረይትን ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ከም ዞባ 100% ፍፃመ ተመዝጊቡ። ኣብዚ ዞባ ካብ 10,344 ደረጃ ‘ሐ’ ነጋዶን 4,331 መካረይትን ብድምር 14,675 ከፈልቲ ግብሪ ኣብ 7 መዓልቲ ፍትሓውን ተመጣጣንን ዝተወሰነሎም ግብሪ ብምኽፋሎም ዛጊድ ብጠቕላላ ካብዚኦም 17,284,148 ብር ከም ዝተኣከበ ምኽትል ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ኣብርሃም ሓጎስ ገሊፆም።

ምኽፋል ግብሪ ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብቲ ዞባ ኣብ ሓፂር እዋን ክውዳእ ዝኸኣለ ከም ዞባ ናይ መሪሕነት ግደ ዓሪፍዎ ኣብ ምድላውን ተግባርን ምዕራፋት ውፅኢታዊ ስራሕ ብምስርሑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ምድላው ምዕራፍ ካብ ኣጀማምርኡ ኣትሒዙ ኩሎም ብርኪ ‘ሐ’ ነጋዳዶን መካረይትን ብዝርዝር ብምንፃር ኣብቲ ዓመት ብኪኢላታት ኣብያተ ዕዮ ልምዓት እቶት ወረዳታት እቲ ዞባ 2  ግዜን ልዕሊኡን ፅንዓት ተኻይዱ እዩ። ብቲ ፅንዓት መሰረት ውሳነ ግብሪ ምስተቐመጠ ድማ ነቲ ውሳነ ግብሪ ፍትሓውነትን ተመጣጣንን ንክኸውንን ተሳትፎ ህዝቢ ንክዓርፎን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከም ሰራዊት ብውድብ፣ መንግስትን ህዝብን ክግምግሞን ርኢቶ ክዓርፎን ተገይሩ እዩ። በቢ ውዳብኡ ነቲ ዝተወሰነ መጠን ግብሪ ኣብ ዋህዮ፣ልምዓት ጉጅለ፣ መሰረታዊ ውዳበ፣ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን፣ሓፋሽ ህዝብን ምይይጥን ገምጋምን ብምክያድ ርኢቶ ተሳተፍቲ ኣካላት ምስ ዓረፎ ከም ዞባ 35 ጥርዓን ቀሪቦም ነቶም 21 ብምርድዳእን ብምምሕያሽን ፍታሕ ብምሃብ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ስርዓት ግብርን ታክስን ዕዉት ውፅኢት ከም ዝተመዝገበ እቶም ምክትል ሓላፊ ይገልፁ።

 

ምስዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ኣብ ተግባር ምዕራፍ ዝተፈፀሙ ቀንዲ ተግባራት ነቲ ከም ዞባ ክፍሊት ግብሪ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ክውዳእ ኣለዎ ዝብል ትልሚ ንምዕዋት ኣብ ሕድሕድ ወረዳ ናይ ውድብ፣ልምዓት እቶትን ንግድን ተወከልቲ ኣጣይሹ መዓልታዊ ውዕሎ ሓበሬታ ምስ ዞባ ብምልውዋጥ፣ከምዞባ ኩሎም ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳታት ናብ ግብርን ታክስን ክዋፈሩ፣ ዞባ በቢ መዓልቱ ናይ ኩለን ወረዳታት ኣፈፃፅማ ግብረ ምልሲ ብምሃብ መንፈሳዊ ንሕንሕ ምፍጣር፣ኩሉ ኣመራርሓን ኪኢላን ሰዓት ከይተፀባፀበ ክሳብ ምሸት ግቡእ ግልጋሎት ክወሃብ ስለዝተገበረ እዩ። ብምዃኑ ድማ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብልምዓት ጉጅለ ንግብሪ ዝኸፍል ፍሉይ ቁጠባ ስለ ዝቖጠቡን መሪሕነት ወረዳን ዞባን ስለዝዓረፎን ኣቐዲማ ኣብ 4 መዓልቲ 100% ኣፈፃፅማ ኣመዝጊባ እያ። ከምኡ’ውን እንዳመኾኒ፣ኦፍላን ኮረምን ካብ 4-5 ኣብ ዘለዉ መዓልትታት፣ኣላጀን ራያ ኣላማጣን ኣብ 6 መዓልቲ፣ኣላማጣን ማይጨውን ኣብ 7 መዓልቲ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ከፊለን ብምውደአን ብሓፈሻ ከም ዞባ ምኽፋል ግብሪ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ከም ዝተጠቓለለ ምክትል ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ኣብርሃም ሓጎስ ወሲኾም ሓቢሮም።

                                                                                 ሃይላይ ገ/ገርግስ

 

                                                                                ክኢላ ርክብ ህዝቢ

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

October 2017
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
293031

በዝሒ ጎብነይቲ

042062
ሎምዓንቲሎምዓንቲ87
ትማሊትማሊ43
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን384
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ611
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ42062

We have 26 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved