top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2008 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ሪፎርምታት ግብርን ታክስን ንምትግባርን ንምዕዋትን ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዘሳልጥዎ ቅንያት ግብሪ ሓበራዊ መድረኽ ምኽክር ዘተ
ክረምታዊ መደባት
ቅድመ ምድላው ክረምታዊ መደባት እቶትን ንግድን 2008/9 በጀት ዓመት ምኽንያት ብምግባር ምስ ሓገዝትን መዳርግቲ ኣካላትን መድረክ እተሳልጥ!

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ምኽፋል ግብሪ ደረጃ ሐ ነጋዶን መካረይትን 2008/9 በጀት ዓመት ዕዉት ኣፈፃፅማ ከም ዘመዝገበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምሉእ ወረዳታትን ከተማታትን ክልልና 1 ሓምለ 2008 ዓ/ም ብዕሊ ዝተበሰረ ምኽፋል ግብርን ታክስን ሙሉእ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ዓመታዊ በዓል ግብርን ታክስን ብሕብሽቲ፣ዕንበባ ፣ጓይላን ሳዕስዒትን ብድሙቕ ፅምብል ተኸቢሩ እዩ። ኣብቲ ከይዲ ምኽፋል ግብሪ ውድብን መንግስትን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሪሕነት ዘዕረፈሉ ኮይኑ ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ዘሎ ናይ ብርኪ ሐ ነጋዶን መካረይትን መኽፋሊ ግብሪ እዋን ብክልል ደረጃ ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐን እናተገምገመን ንወረዳታት፣ ከተማታትን ዞባታት 10 ግዜ ናይ ግብረ መልሲ ሰነድ ተዳልዩ ተዋሂቡ እዩ። ኣብዚ በጀት ዓመት ምኽፋል ግብሪ ናይ ዞባታት ኣመራርሓ  ትኹረት ሂቦም ናይተን ወረዳታትን ከተማታትን  ተሞክሮታት፣ ጥንካረታትን ድኽመታትን እናገምገሙ ክመርሕዎ ክኢሎም እዮም። ኣብያተ ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳታት፣ ከተማታትን ዞባታትን ህዝቢ ዝተሳተፈሎም መድረኻት ኣካይዶም ህዝቢ ኣብ ፅንዓት፣ ውሳነን ምይይጥን ግብሪ ክሳተፍ ብምግባር ምስ ናይ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ዝነኣሰ ቅሬታ፣ ፍትሓውን ተመጣጣንን ግብሪ ኣብ ምኽፋልን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ዝሓሸ ለውጢ ከም ዝመፀን ኣብ በጀት ዓመት 2008 ከም ክልል 96 ምኢታዊ ኣፈፃፅማ ከም ዝተመዝገበን ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ  ወናኒ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ትምህርትን ስልጠናን ግልጋሎት ዓማዊልን ኣይተ በላይ ገ/ወልድ ሓቢሮም።

 

ኣብዚ በጀት ዓመት ከም ክልል ኣብ ዞባታት ዝነበረ ኣፈፃፅማ እንትርአ ኣብ 1 ደረጃ ዘለው ዞባ ደቡብ ትግራይ ኮይኖም ኣብ 7 መዓልቲ 100 ምኢታዊ እንትፍፅሙ፣ ብ2 ደረጃ ደቡብ ምብራቕ  ኣብ 10 መዓልቲ 100 ምኢታዊ ከምኡ’ውን ኣብ 3 ደረጃ ዘለዉ ምብራቓዊ ዞባ እውን ኣብ 15 መዓልቲ 100 ምኢታዊ እንትፍፅሙ ሰሜን ምዕራብ እውን በቲ ዝተተሓዘ እዋን ፈፂሞም እዮም። ብተነፃፃሪ በቲ ዝተተሓሓዘ መኽፋሊ ግብሪ እዋን  ዘይወድኣ ዞባታት ድማ ዞባ መቐለ 99 ምኢታዊ፣ ዞባ ማእኸል 91 ምኢታውን ዞባ ምዕራብ 82 ምኢታውን ኣፈፃፅማ እንትህልወን ምስ ናይ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ግን ብመዳይ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝደኸመ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ 2008 በጀት ዓመት ከም ክልል ዝተረኸቡ ጥንካረታትን ለውጥታትን እንትርአ እተን ዝበዝሓ ዞባታት፣ ከተማታትን ወረዳታትን ቅድሚ 30 ሓምለ ተመጣጣንን ፍትሓውን ግብሪ ከፊለን ምጥንቓቐን፣ ከም ዞባ ናብ ተመጣጣኒ ደረጃ ከም ዝበፀሓ፣ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ  ናይ ናተይነት ስምዒት ይዓቢ ከም ዘሎ፣ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ሓቢርካ ኣብ ምዕማም ዘሎ ኩነታት ኣወንታዊ ብምዃኑ ቅሬታ ከም ዝቐነሰን ሰናይ ምምሕዳር ናብ’ቲ መንግስቲ፣ ውድብን ህዝብን ዝደልይዎ ዘለዉ ደረጃ እናተፀግዐ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይተ በላይ ገብረወልድ ወሲኾም ሓቢሮም።

                                                     ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝቢ

                                                    በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

June 2017
123
45678910
11121314151617
18192021222324
252627282930

በዝሒ ጎብነይቲ

036513
ሎምዓንቲሎምዓንቲ3
ትማሊትማሊ54
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን171
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1907
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ36513

We have 12 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved