top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ኣብ ጉዳይ ቅብሊት ኣመልኪቱ መድረኽ ዘተ ነጋዶ ኣካይዱ።

 

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2010 በጀት ዓመት ኣብ ዙሪያ ቅብሊት ምቑራፅ ኣመልኪቱ ቅብሊት ኣብ ምቑራፅ ፀገም ኣለዎም ምስ ዝተብሃሉ ነጋዶ ከተማ መቐለ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ስርዓት ግብርን ንግድን ንምርግጋፅ መንግስትን ውድብን ዘካይድዎ ተሃድሶታት ህዝቢ ሓሳቡ ንኽገልፅ ከምዚኦም ዓይነት መድረኻት ኣገዳስቲ እዮም። ቅብሊት ዘይቆርፁ ነጋዶ ስርዓት ግብሪ ብምፍራስ ፀረ ልምዓትን ሰላምን እዮም ዝኾኑ ዘለው። ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተዋፈርና ኣካላት ስርዓት ክንሕዝ ይግባእ። ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ብምትግባር ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክነረጋግፅ ኣለና። ኩሉ ነጋዳይ ግብሪ ብምኽፋል ኣብ ልምዓት እጃሙ ንክዋፃእ መንግስቲ እውን የተባብዕን ይድግፍን ከም ዘሎ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዱስትርን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳኒኤል መኮነን ገሊፆም።

 

ምስዚ ብተዛማዲ ግብሪ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ህልውና መሰረት ስለዝኾነት ቅብሊት ብምቑራፅ ስርዓት ግብሪ ክነረጋግፅ ኣለና። ምኽፋል ግብሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ሞትን ሕየትን ገይርካ ብምውሳድ ተግባራዊ ክግበር ከ ዘለዎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ዞባ መቐለ ወ/ሮ ብርኽቲ ዘሪሁን ሓቢረን።

ኣብ ቅብሊት ምቁራፅ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ። ካብዚ መድረኽ ድማ እኹል ዝኾነ ግንዛበ ወሲድና ኣለና። ኣብ ስራሕና እንፍፅሞም ጌጋታት ብሰራሕተኛታት እውን ይፍፀሙ ስለዘለው ንሰራሕተኛታት እውን ናይ ግንዛበ ኣስትምህሮ ብመንግስቲ ክወሃቦም ከም ዝግባእ ኣይተ ሓዱሽ ተኹሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ መድረኽ ካብ ተሳተፍቲ ካብ ዝተልዓሉ ሓሳባት ኣብ መንጎ ነጋዶ ፍትሓዊ ውድድር ንክህሉ ቫት ዘይሓዙ ነጋዶ መንግስቲ ንክሕዙ ክገብር ኣለዎ፣ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ቅብሊት ሓታቲ ንክኸውን ግንዛበ ንክፍጠረሉን ናይ ንግዲ ሰራሕተኛታት ግንዛበ መዕበይ ኣስተምህሮ ክወሃቦም ክም ዝግባእን ዝብሉ ርኢቶታትን ሕቶታትን ምስ ተለዓሉ ካብ መድረኽ ብዝምልከቶም ኣካላት እቲ ኣብ 2004 ዓ/ም ዝተጀመረ ስርዓት ቅብሊት ምቑራፅ ብዝግባእ ተግባራዊ ክግበር ኣለዎ፣ ምክንያቱ ስርዓት ቫት ናይ ባዕሉ መሰረታዊ ረብሓታት ስለ ዘለዎ እዩ።

ካበዚኦም ድማ ሚዛን ዕዳጋ ንምሕላው፣ ፍትሓዊ ሃፍቲ ክፍፍል ዜጋታት ንምርግጋፅ፣ ፍትሓዊ ስርዓት ንግዲ ንክህሉን ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ንምትብባዕን ስለዝጠቅም ተግባራዊ ክንገብሮ ይግባእ ዝብሉን ካልኦትን ሃነፅቲ ርኢቶታት ምስ ተወሃበ እቲ መድረኽ ዘተ ስርዓት ቅብሊት ተግባራዊ ንምግባር ቃል ብምእታው ተዛዚሙ።

                                                            ብሃይላይ ገ/ገርግስ

                                                             ክኢላ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን

                                                   በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ

 

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

November 2017
1234
567891011
12131415161718
19202122232425
2627282930

በዝሒ ጎብነይቲ

044196
ሎምዓንቲሎምዓንቲ41
ትማሊትማሊ55
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን239
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1555
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ44196

We have 14 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved