top
logo

ሕትመታት

ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ
ዜና ፎቶ
ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት 2009 በጀት ዓመት ዕዙዝ ግደ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዓሚቕ ገምጋም ዳግማይ ተሃድሶ ኣካይዶም

 

በቢደረጅኡ ዘሎ ላዕለዋይ፣ ማእኸላይን ታሕተዋይን ኣመራርሓ እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተዳለወ ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ ዝብል ሰነድ መበገሲ ብምግባር ሕድሕድ ሰራሕተኛ ዓርሰ ነቐፌታን ገምጋምን ዝገበረሉ ናይ ሓደ ሰሙን መድረኽ ተሃድሶ ኣካይዱ፡፡

እዚ መድረኽ ተሃድሶ ነቲ ናይ ህዝቢ ትግራይን ውድብን መግለፂ ዝኾነ ሃናፃይ ቃልሲ ኣብ ምቕፃል ሓጋዚ ዝኾነ ሰነድ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብመንፅር ፀረ-ዲሞክራሲ፣ ሓሰት ፀብፃብን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ከም ቤት ዕዮ ንሕድሕድ ኣካል ከመይ ይገልፀና ብዝብል መትከል ዓርሰ ነቐፌታ ቀሪቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ገምጋም ናብ ነጋዳይ ማሕበረ-ሰብ ወሪዱ መድረኻት ብምክያድ ብዝበለፀ ብምዕማቕ ዝነበሩና ድኽመታት ኣብ ምእራም ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ምሕረት በየነ ሓቢረን፡፡

ገምጋም ዳግማይ ተሃድሶ ኩሉ ሰራሕተኛ ኣብ ፀረ-ዲሞክራሲ፣ ናይ ስልጣን ኣረኣእያ፣ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ምስ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝነበሩ ፀገማት፣ ኣብ ህዝባውነት ኣረኣእያ ምሽርሻር ከም ዝነበረ፣ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ምስ መምርሕታት ኣብ ምትግባርባር ክፍተታት ከም ዝንበሩ፣ ሓሰት ፀብፃብ ኣብ ምፍላይ ሞዴል ከፈልቲ ግብርን ዕግበት ተገልጋላይን ካልኦት ዛዕባታትን መሰረት ብምግባር ንዓርሱ ብምርኣይ ዓርሰ ነቐፌታ ዘቐረበ ኮይኑ ሕድሕድ ሰራሕተኛ ብዝቐረበሉ ገምጋም መሰረት ናይ መስተኻኸሊ ርኢቶን እርማትን ተዋሂቦም እዮም፡፡

ኣብቲ ገምጋም ካብ ዝተሳተፉ መንኣሰይ መብራህቱ ልጁን መሉጌታ ተካን እዚ ዳግማይ ብዕምቆት ምህዳስ ዝብል መድረኽ ዝነበሩና ፀገማት ብምሉእነት ብዝበሃል መልክዑ ብምግምጋም ዝተነፀሩ ኮይኖም ካብዚ ብተግባር ናብ ሕብረተ-ሰብ ወሪዱ ናይ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን መፍትሕታት ዘነፀረ ክኸውን ከም ዘለዎ ብምሕባር ንተግባራውነቱ ከም ዝሰርሑ ሓሳቦም ገሊፆም፡፡

 

 

                                                                          ሃይለይ ገ/ገርግስ

                                                          ክኢላ ርክብ ህዝቢ

                                                    በዓል መዚ ልምዓት እቶት

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

June 2019
1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
30

በዝሒ ጎብነይቲ

073015
ሎምዓንቲሎምዓንቲ26
ትማሊትማሊ66
ኣብዚ  ሰሙንኣብዚ ሰሙን250
ኣብዚ ወርሒኣብዚ ወርሒ1542
ጠቕላላ ክሳብ ሐዚጠቕላላ ክሳብ ሐዚ73015

We have 35 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved