ዓል መዚ ልምዓት እቶት ምስ ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ሮያሊቲ ኣመልኪቶም ብሓባር ገምጋማዊ ስልጠና ኣካይዶም!!

 

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኣሰፉ ሊላይ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ፍልፍል ሃፍቲ መዓድን ከም ትዕድልቲ ዝውሰድ ኮይኑ ኣብቲ ዓውዲ ተዋፊሮም ዘለው ኣከብቲ ክራይ ድማ ብኣንፃሩ ከም ስግኣት ዝውሰድ ጉዳይ እዩ ኢለን። እቲ ዝረአ ዘሎ ስግኣት ድማ ካብቲ ዘለና ውህሉል ተሞክሮ ኣፈታትሓ ብምጥቃም መዳርግትን ህዝብን ብምስታፍ ምፍታሕ ይከኣል እዩ። ስለዚ ካብ ሃፍቲ ገነት መዓድን ዘድሊ እቶት ብምእካብ ኣታዊ ክልልና ንምዕባይን ስራሕ ዕዱል መናኣሰይ ንምፍጣርን ህዝቢ ዘሳተፈ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘለዎ ሓቢረን።

ምስዚ ብተዛማዲ ሓላፊ ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋኣለም ሓድጉ ካብ እንዳስትርያል፣ ኮንስትራክሽን፣ ወርቂ፣ ሳፋየርን ካልኦት መዓድናትን ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ተጠናኺሩ ፍትሓዊ እቶት ክእከብ ከም ዘለዎ ገሊፆም። ብፍላይ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ካብዚ ዘርፊ 150 ሚልዮን ብር ንምእካብ ትልሚ ዝተተሓዘ ኮይኑ እዚ እቶት ንምእካብ ድማ 12 ኩንታል ወርቂ ፣ ካብ ሳፋየር ፣ ሑፃ ፣ ፀፀር ፣ እመኒን ካልኦት መዓድናትን መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ እቲ ዝተተሓዘ ትልሚ ክፍፀም ከም ዝኽእል ወሲኾም ሓቢሮም።

 

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተረኸቡ ኣይተ ኣብርሃ ክፍሉን ገ/መስቀል ገ/ሂወትን ካብቲ ገምጋማዊ ስልጠና ኣጠቓቕማ ሃፍቲ መዓድን እቶት ብምእካብ ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምውዓል ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ፍትሓዊ እቶት ብምእካብን ቁጠባዊ ዕብየት ክልልናን ሃገርናን ንምርግጋፅን ትኹረት ሂቦም ከም ዝስርሕሉ ቃል ኣትዮም።

 

                          ሃይላይ ገ/ገርግስ

ክኢላ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን በዓል መዚ ልምዓት እቶት