በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣበርቲዑ ይሰርሕከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

 

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ፍልፍል ዘላቂ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንኽኸውን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሮክቶሬት ምኽባር ሕጊ እቶትን ኢንተለጀንስን ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ኣገንዚቦም።

ስርዓት ምሕደራ ግብሪ ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ካብ ምዃን ድሒኑ ፍልፍል ዘላቂ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንኽኸውን ኣብ ቀደማይ ርብዒ ዓመት 2012 በጀት ዓመት ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ህንፃ መሳርሒ፣ ጅምላ ሸቀጣ ሸቀጥ፣ ግልጋሎት ወሃብትን እንዳ መስተን ኣብ ዝተዋፈሩ 621 ከፈልቲ ግብሪ ቅብሊት መሰረት ብምግባር ዳህሳስ ፅንዓት ዝተኻየደ ኾይኑ ካብቶም ዝተፀንዑ እቶም 500 ከፈልቲ ግብሪ ንተገልገልቲ ዓማዊል ናይ ዝተጠቀመሉ ግልጋሎት ቅብሊት ከም ዘይህቡ ተፀኒዑ እዩ። ካብቶም ዝተፀንዑ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ግድድ ኢሎም ልዕልነት ሕጊ ግብሪ ዝጠሓሱ 47 ከፈልቲ ግብሪ ነንሕድሕዶም 50,000 ብር ምምሕዳራዊ መቅፃዕቲ ብምቅፃዕ ብገበን እውን ክሕተቱ ይግበር ከም ዘሎ ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ገሊፆም።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ንበይኑ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣካብነት ክራይ ግብርን ታክስን ከዳኽሞ ስለዘይኽእል ምስ መላእ ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲድካ ብምስራሕ ኣብ ዝኸፈአ ስወራን ምጭብርባርን ግብርን ታክስን ንዝተዋፈሩን ብተደጋጋሚ ሕጊ ዝጥሕሱን ከፈልቲ ግብሪ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ብምቕዳም እቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ኣይተ ተስፋይ ታደሰ ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

 

                                                                                                              ሃይላይ ኪሮስ

                                                                ላዕለዋይ ክኢላ ርክብ ህዝቢ

                                                         በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ