top
logo

ሕትመታት

 

ራእይ፣ ልኡኽ፣ ዕላማን መሰረታዊ እምነታትን መትከላትን ባዓል መዚ

ልምዓት እቶት ክልል መንግስቲ ትግራይ

 ልኡኽና

 ፅቡቕ ስነ-ምግባር ዝተላበሰን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ብምህናፅ፣ ዘመናዊ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ብምዝርጋሕ፣ ቅልጡፍን ግልፅን ግልጋሎት፣ ተኸታታሊ ትምህርትን ስልጠናን ብምሃብ፣ ንልምዓታዊ በዓል ሃፍቲ ብምድጋፍ፣ ክራይ ኣካብነትን ምጭብርባር ግብርን ቀረፅን ብምክልኻል፣ ክእከብ ዝግበኦ እቶት ክልልና ብእዋኑ ምእካብ እዩ።

ራእይ

ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ሃገርናን ኣህጉርናን መርአያ ዝኾነ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝተፈጠረ ልምዓታዊ ምሕደራ ግብሪ ተሃኒፁ ምርኣይ።

 

ዕላማ

 በዓል መዚ ልምዓት እቶት ኣብ ግብሪ ኣወሳስናን ኣተኣኻኽባን መሰረታዊ ለውጢ ከይዲ ስራሕ ብምክያድ ዝተወሃቦ ተግባርን ሓላፍነትን ብኣግባቡ ንዋፃእ ናይ ግብሪ ስርዓት ፍትሓዊ፣ ዘመናዊን ቕልጡፍን ግልጋሎት ብምሃብ ናይ ተገልገልቲ ድልየት ዘማልእ ሱር በቆስ ትካላዊ ለውጢ (Institutional Transformation) ምምፃእ እዩ።

 መሰረታዊ እምነታትን መትከላትን፡-

  • ግብሪ ምሕባእን ምጭብርባርን ንምክልኻል ብፅንዓት ንስርሕ
  • ካብ ግዕዝይና ዝፀረየ ኸባቢ ስራሕ ምህላው መለለይና እዩ
  • መትከላት ፍትሓዊ ኣወሳሰና ግብሪ መለለይና ንገብር
  • ብዓርሰ ተበግሶ ዝኸፍል ከፋሊ ግብሪ ምትብባዕ መለለይና ንገብር
  • ዜጋታት ተኮር ዝኾነ ቡሉፅ ግልጋሎት ምሃብ መለለይና ንገብር፣
  • ብጋንታ ናይ ምስራሕ ባህሊ ነዕቢ፣
  • ሓለቓና ስራሕና፣
  • ተግባርና መዐቀኒና፣
    • ኣብ ግልፅነት ተሓታትነትን ዝተመሰረተ ኣሰራርሓ ንኽተል፣
    • ብረተሰብ ዘሳተፈ ኣሰራርሓ ንኽተል፣
    • ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ንሰርሕ፣

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

January 2019
12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031

We have 24 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved