

ዋና መምረፂ
ሓገዝቲ ሰነዳት
ሕትመታት
ቀንዲ ተግባራት ኣውራ ከይዲ ስራሕ ኣተኣኻኽባ እቶትን ክትትልን
እዚ ኣውራ ከይዲ ስራሕ እዚ እዞም ዝስዕቡ ተግባራት ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ኣለዎ፡፡
1. ምድላው ዓመታዊ እቶት ትልምን መደብ ምውፃእን
2. ስራሕቲ ኣተኣኻኽባን ምውሃድን መረዳእታ
2.1 ግዝኢትን መሸጣን መረዳእታ ምጥንኻርን
2.2 መዓልታዊ እቶት ግብሪ ከፈልቲ ምፅናዕ
2.3 ክትትል ግብኦም ዘይተዋፅኡን ናብ መርበብ ኸፈልቲ ግብርን ታክስን ግልጋሎት ክፍሊትን ዘይኣተዉ ከፈልቲ ግብሪ
3. ግልጋሎት ዓማዊል ምሃብ
3.1 ንግዲ ፍቓድ ንዘሐድሱን ዝስርዙን ክሊራንስ ምሃብ
3.2 ቲንን ቫት ሰርቲፊኬትን ምስክር ወረቐት ምሃብ
3.3 ንግብሪ ከፈልቲ ናይ ሕትመት ፍቓድ ይህብ ከምኡ እውን ሕትመት ቅብሊት ይቕበልን ይስርዝን
4. ምውሳን ግብርን ግልጋሎትን
4.1 ብመዓልታዊ መሸጣ፣ ሒሳብ መዝገብ ብ3ይ ወገን መረዳእታ ግብሪ ይውስን
4.2 ቫት ኦዲት ይገብር ይውስን
5. ምክትታል መሳርሒ መመዝገቢ መሸጣ
6. ምንዋሕ /ኣከፋፍላ ምንዋሕ/ ግብሪ ዕዳ
7. ክትትል ግብኦም ዘይዋፅኡ ከፈልቲ ግብሪ
8. ብሓደራ ኣታዊ ዝተገበረ ገንዘብ ይከታተል
8.1 ብሓደራ ኣታዊ ዝተገበረ ቅድመ ታክስ ክፍሊት
8.2 ኣብ ውልቀ ትካላት ዝተቆፀሩ ሰራሕተኛታት ጡሮታ መዋጮ ይከታተል
8.3 ካብ ላዕለዎት ትካላት ተመሪቖም ናይ ዝወፁ ትካላት ተምሃሮ ክፍሊት (ኮስት ሼሪንግ) ይእክብ
9. ናይ ከተማታት እቶት (ቤት ማዘጋጃ) ይእክብ
10. ቴምብር የከፋፍል ይሸይጥ
11. ግልጋሎት ትምህርትን ስልጠናን ንግብሪ ከፈልቲ ይህብ
12. ብሉፃት ግብሪ ከፈልትን ግብሪ ኣከብትን ይምልምል ይሽልም
13. ስረዓት ግብሪ ኣመልኪቱ ካብ ግብሪ ከፈልትን ግብሪ ኣከብትን ንዝቐርቡ ሕቶታት ብሰልክን ብፅሑፍን ብኣካልን መብርሂ ይህብ፡፡
14. ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ ክጠናኸሩ ይገብር፡፡
14.1 ሓበሬታ የተኣኻኽብ ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ብምድላው ብዝተፈላለዩ ውፅኢት ሕትመትን ብሚድያታትን ክጋዋሕ ይገብር፡፡
14.2 ስራሕቲ ኢዲቲንግ እውን የካይድ፡፡
- ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
- ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡
|
We have 75 guests and no members online
