top
logo

ሕትመታት

እንታይነትን ኣድላይነትን ምኽባር ሕጊ እቶት

ቅድሚ ብዛዕባ እንታይነት ምኽባር ሕጊ ምርኣይና ኣድላይነትን እንታይነትን እቶትን ግብሪን ምግላፅ ኣገዳሲ ይኸውን። እቶት ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ብዙሓት ፍልፍላት ዝሓዘ ጥቕሉል መፀውዒ (Generic name) እዩ። እቶት ካብ ግብርን ቐረፅን ዝርከብ (Tax Revenue) ፣ ከምኡ′ውን ካብ ቅፅዓት (Fine) ፣ ካብ ወፃእ ሓገዝን ልቃሕን ዝርከብ ኢ-ታክሳዊ (Non –tax Revenue) ዘጠቓልል እዩ።

 

ብመሰረት ቀንዲ ተግባርን ሓላፍነትን በዓል መዚ ልምዓት እቶትን ናይዚ ፅሑፍ ቐንዲ ትኹረት ኣብ ግብርን ቐረፅን ዘተኮረ ይኸውን።

 

·         ግብሪ ወፃኢ መንግስቲ ንምሽፋን ፣

·         ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ ዜጋታት ክህሉ ንምግባር (Fair distribution of Resource) ፣

·         ዝተረጋግዐ ቁጠባዊ ምዕባለ ንምፍጣር ፣

·         ኢንቨስትመንት ንምብርትታዕ ፣

·         ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ፣

·         ባህሊ ቁጠባ ንምዕባይን ብሓፈሽኡ ድማ ክራይ ኣካብነት ብምስዓር ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን ፈፀምትን ንምፍጣር ወሳኒ እዩ።

 ነዞም ዕላማታት ንምፍፃም ድማ ኹሉ ኸፋሊ ግብሪ ንረብሕኡ ዝውዕል ግብሪ ብእዋኑን ሓቀኛ ዓቐኑን ንክኸፍል ዘኽእሉ ኣዋጃት፣ ደንብታት፣ መምርሒታትን ተቐሪፆም ኣብ ተግባር ውዒሎም ይርከቡ። ከምቲ ዝተገለፀ መንግስቲ ዋላኳ ዝተፈላለየ ፍልፍላት እቶት ዘለውዎ እንትኾነ፣ ግብሪ ናይ ዝኾነ መንግስቲ ቐንዲን መተካእታ ዘይርከቦ እቶት እዩ። እዚ ዜጋታት ዝኸፍልዎ ግብሪ መንግስቲ ዝባሃል ዘመናዊ ኣቃውማ ቅድሚ ምሓዙ /ቅድሚ ህልውና ዘመናዊ መንግስቲ/ ዝተጀመረን ዝነበረን እዩ። ሰለዚ ዋላኳ መስርሕ ኣተኣኻኽብኡን ተመኑን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ዝኽእል እንተኾነ መንግስቲ ክሳብ ዝሃለወ ግብሪ ኣብ ዝኾነ ሃገራት ዓለምና ዘሎን ክህሉ ግድን እዩ።

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

December 2017
12
3456789
10111213141516
17181920212223
24252627282930
31

We have 50 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved