top
logo

ሕትመታት

ሓደ ነጋዳይ ቲን ንምምዝጋብ እንታይ ከማልእ ይግብኦ?

 

-      ብንግድን ኢንድሰትርን ዝተመለአ ፎርሚ

-      ናይ ቀበሌ መታወቂያ

-      ወኪል እንተኾይኑ ድማ ናይ ቀበሌ መታወቂያ ኮፒ፣ ሕጋዊ ውክልና ኮፒ

-      ኣብ ውሸጢ 6 ወርሒ ዝተልዓሎ 2 ኩርዲ ፎቶ

ዝኾነ ሰራሕተኛ ቲን ንምምዝጋብ እንታይ ከማልእ ይግብኦ?

 

-      ካብ ዝሰርሐሉ ትካል/ቤትፅሕፈት/ቢሮ ሰራሕተኛ ምኳኑ ስራሕ ግብሪ ዝኸፍል ምኳኑ መረጋገፂ ድጋፍ ደብዳቤ የቅርብ

ናይ ዩኒቨርስቲ /ኮለጅ/ ተምሃራይ ቲን ንምምዝጋብ እንታይ ከማልእ ይግብኦ?

 

-      ካብ ዝርከበሉ ዩኒቨርስቲ/ኮለጅ ተምሃራይ ምኳኑ ናይ ድጋፍ ደብዳቤ የቅርብ

ሰብ ሓዳር ቲን ንምምዝጋብ እንታይ ከማልኡ ይግብኦም?

 

-  ሕጋዊ ዝኮነ ናይ ሓዳር ምስክር ወረቐት

ሓደ ነጋዳይ ቫት ንምምዝጋብ እንታይ ከማልእ ይግብኦ?

 

-      ንግዲ ፍቓድ ኮፒ

-      ቲን ኮፒ

-      ናይ ቀበሌ መታወቂያ

-      ወኪል እንተኾይኑ ድማ ናይ ቀበሌ መታወቂያ ኮፒ፣ ሕጋዊ ውክልና ኮፒ

ሓደ ነጋዳይ ግብሪ ንምኸፋል መረዳእታ ኣብ ዝሕተተሉ እዋን ከማልኦም ዝግበኦ ዶኩመንትታት

 

-      ንግዲ ፍቓድ ኮፒ፣ ኣምፃኢና ላኣኺ እንተኾይኑ እቲ  ንግዲ ፍቓድ ናይ መጀመሪያ ዝወፀ  ክኸውን ኣለዎ

-      ቫት ኮፒ

-      ቲን ኮፒ

-      ወኪል እንተኾይኑ ድማ ሕጋዊ ውክልና ኮፒ  ከቅርብ ኣለዎ

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

October 2017
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
293031

We have 37 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved