top
logo

ሕትመታት

 

ግልፂ ጨረታ ምልክታ ቁፅሪ - 3

 

     ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ኮምፕዩተራት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። ስለዚ ዝምልከተኩም ትካላት በዚ ዝስዕብ ረቁሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቓድ ዝሐደሱን፡

2. ተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም ፣ መለለዪ/ቲን/ ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ /ድክለሬሽን/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ አለዎም፡

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ሲፒኦ ብር 30,000.00 /ብር ሳላሳ ሽሕ/ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ይግባእ ፣

4. ንዝተዳለወ ናይ ተጫረቲ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ዘይምለስ ነቲ ደኩመንት ብር 50.00/ሓምሳ ብር/ ብምኽፋል ካብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ፋይናንስ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ብምውሳድ ንዘቕርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምድላው እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዕለት 06/05/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 20/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 6፡00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምኻድ ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታው ትወዳደሩ ትኽእሉ።

5. እቲ ጨረታ ዕለት 06/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 6፡00 ተዓፅዩ ዕለት 20/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ይኽፈት፡፡

6. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻና

ዓዲ ሓቂ ናይ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ህንፃ 3 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 5

ጥቃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-401875 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።

 

 

 

 

  • ንደረጃ ‘ለ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ ግብሪ መኽፈሊ እዋን ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጳጉሜን 05/2008 ምዃኑ፣
  • ንደረጃ ‘ሀ’ ኸፈልቲ ግብሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ድማ ካብ ሓምለ 01/2008 ክሳብ ጥቅምቲ 30/2009 ምዃኑ እንዳዘኻኸርና ግብሪ ብእዋኑ ብምኽፋል ሃገራዊ ግቡእና ንዋፃእ፡፡

July 2019
123456
78910111213
14151617181920
21222324252627
28293031

We have 30 guests and no members online


bottom
top

bottom

© 2014 Tigray Revenue Development Authority .All Rights Reserved